Fana: At a Speed of Life!

ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀፅታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፍትሒ ክናደዪ ኢዮም- ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዓለም ዝፍትን ዘሎ ፀገማት ፀፅታን ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲን ሓበራዊ መፈትሒ ክናደዪ ኢዮም ክብሉ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ገሊፆም።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ጉባኤ ምትሕብባር ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ናይ ዩክሬን፣ ጋዛን ሱዳንን ጎንፂታት ኣብ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ዓለም ፅዕንቶ ከምዘሕደሩ ኣረዲኦም።

ስርዓት ፋይናንስ ዓለም ፈትሓዊ ዘይምዃኑን ትካላት በቲ ዝድለ ልክዕ ዘይምስረሖም ትሑት ኣታዊ ኣብ ዘለወን ሃገራት ፅዕንቶ ከምዘሕደረ ኣብሪሆም።

ርክብ ደቡብ ደቡብ ፀገማት ንምፍታሕ ቁልፊ ከምዝኾነን ርክብ ቻይናን ኣፍሪካን ነዚ ዓምዲ ከምዝኾነን ገሊፆም።

ዝጋደደ ዘሎ ክሌማዊ ለውጢ፣ ድሕንነትን ፀገም ፀፅታን ሐዚ አውን ምትሕብባር ዝደሊዩ ኢዮም ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ውሕመ በዝግባእ ዘይተወከሉ ናይ ኣፍሪካ ሓዊሱ ብዝግባእ ዘይተወከላ ሃገራት ውክልነአን ንምርግጋፅ ናይ መመሓየሺ ስራሕቲ ከምዘድሊዩ ተዛሪቦም።

ቻይና ዝመስላ ሃገራት መስ ኣፍሪካ ዝሰርሑሉ ሓበራዊ ስራሕ ውሕመ ከምዘተባብዕ ኣረጋጊፆም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.