ንወለዶ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንምውራስ ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ናይ ባዕሉ ምትሕብባር ንኽገብር ፃውዒት ቀሪቡ
እቲ ቤት ምኽሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ፃዕርና ማሕለኻታት ኢኮኖሚ ካብ ምፅዋር ሓሊፉ ማሕለኻታት ናብ ምስዓር ዘሰጋግር ክኸውን ከምዘለዎ ብምሕባር፤ መንግስቲ፣ ክፈለ ኢኮኖሚ ውልቀ፣ ሙሁራንን ህዝቢን፣ ኩሎም ብፅሒቶም ክዋፅኡ እንተኽኢሎም ጥንካረኦም ፍረ ምፍራዩ ኣይተርፍን ኢሉ።
ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም ኣመልኪቱ ዝወፅአ እቲ መግለፂ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ማክሮ ኢኮኖሚ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓማውቲ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከም ፖለቲክኡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ንተደጋጋሚ ዕንቅፋታት ከምዝተዳረገ ገሊፁ።
ትፅቢት ዘይተገበረሎም ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታትን ፅዕንቶታትን ከምዝፈተኑዎ እውን ኣብሪሁ።
እዚ ኮይኑ ግን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶታት ተፃዊሩ ብዝሐሸ ኩነታት እናተጓዓዘ ከምዝኾነ ዘረጋገፀ እቲ መግለፂ፥ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኣብ ዝገምገመሉ እዋን ከረጋግፆም ከምዝኸኣለ ኣፍሊጡ።
ዕቤት ፍርያት ክረምታዊ ዝራእቲ ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ፍርያታውነት ልምዓት ዝራእቲ ስርናይ ሓጋይ ንምድንፋዕ ልዑል ርብርብ ምግባሩ ስዒቡ፤ ኣብ 613 ሺህ ሄክታር መሬት ልዕሊ 25 ሚልዮን ኩንታል ፍርያት ከምዝእከብ ትፅቢት ይግበር ኢሉ።
ፅዕንቶ ለበዳ ኮቪድ-19 ቀስ ብቐስ እናሓወየ ዝርከብ ዘፈር ኣገልግሎት እውን ተስፋ ዝህብ ዕቤት እናርአየ ከምዝኾ ገሊፁ
በቢእዋኑ እናዓበየ ዝመፅ ስእነት ስራሕ ንምንካይ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂታት ተሓንፂፆም እናተሰርሐሎም ዝፀንሑ እንትኾኑ፥ ኣብ ዝሓለፉ 9 ሽዓተ ኣዋርሕ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ እቲ ቤት ምኽሪ ገሊፁ።
ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብ ልዕሊ ኢኮኖሚ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፅዕንቶታት ንምንካይ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እናተገበሩ ከምዝርከቡ እቲ መግለፂ ኣብሪሁ።
መሰረታዊ ከምዝኾኑ ዝተኣመነሎም ከም ስርናይ፣ ዘይቲ፣ ናይ ህፃናት ምግቢን ሽኮርን ዝበሉ ሃለቕቲ ኣቑሑት ዘምፅ ኣምፃእቲ፥ ብኣሰራርሓ ፍራንኮ ቫሉታ ናይ ባዕሎም ሸርፊ ወፃኢ ብምጥቃም ንኸእትዉ ፍቓድ ተዋሂቡዎም።
ዕድጊት መድሓኒት፣ ነዳዲ፣ ዘበናዊ ዱኽዒ(መዳበርያ)፣ ዘይቲን ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ብግቡእ ኩነታት ንኽካየድ፤ ኣብ ቀረብ እቶም ሸቐጣት ምጉታት ከይህሉ ኣብ ስርዓት ዕድጊት ኣድላዪ መስተኻኸሊ ከምዝውሰድ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ፣ ክፈለ ኢኮኖሚ ውልቀ፣ ሙሁራንን ህዝቢን ኩሎም ብፅሒቶም ክዋፅኡ እንተኽኢሎም ጥንካረኦም ፍረ ምፍራዩ ኣይተርፍን ክብል እቲ ቤት ምኽሪ ዘውፀኦ መግለፂ ኣገንዚቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።