Fana: At a Speed of Life!

ንክልል ትግራይ እግሪ መትከሊ ዝውዕል ብር 150 ሚሊየን ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልል ሃረሪን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን ንመሊስካ ህንፀት ክልል ትግራይ ዝውዕል ብር 150 ሚሊየን ሓገዝ ተገይሮም።

እቲ ሓገዝ ብምምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ርእሰ ምምሕዳር ኦድሪን በድሪን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣሕመድ ቡህ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ከተማ መቐለ ተረኺቡ ኣረኪቡ፡፡

እቲ ልቹኽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሕ፥ ብኣመራርሓታት ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓዲን ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ኣብቲ እዋን ርኽክብ ከምዝተገለፀ፥ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብር 100 ሚሊየን፣ 574 ኮምፒዩተራት፣ 123 ፕሪንተራትን ማሽናት ፎቶ ኮፒን ሓገዝ ገይሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰለስተ ኣምቡላንሳትን ሰለስተ ተሸከርከርቲን ሓገዝ ምግባሩ ተገሊፁ፡፡

ብሓፈሻ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ብገንዘብ እንትስላሕ ልዕሊ ብር 135 ሚሊየን ከምዝኾነን እቲ ሓገዝ ቀፃሊ ከምዝኸውንን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ክልል ሃረሪ ድማ ብር 10 ሚሊየን፣ ኣምቡላንስን ዝተፈላለዩ ናውቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ፡፡

ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ድማ ብር 5 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝገበረ ተገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ሙሉ ነጋ እቲ ሓገዝ ኣብ ዝተቐበሉሉ እዋን፥ ክልል ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ ኩሉ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.