Fana: At a Speed of Life!

ንእማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል እናፈፀመ ከምዝርከብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ እማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ክልል ትግራይ ተቋሪፆም ዝነበሩ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ስራሕ ንክጅምራ፣ ዝፈረሳ ንክፅገና፣ ቕልጡፍ ሰብኣዊ ረድኤት ብግዚኡ ንክኣትው እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ብተገዳስነት  እናገልግሉ ዝረከቡ ኢንጂነር የማነ ሃይለ ገሊፆም።

ነቲ ዝነበረ ኲናት ስዒቡ ብርክት ዝበሉ ወገናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ እንትኾኑ ተመዛበልቲ ወገናት ናብ መረበቶም  ናይ ምምላስ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎን ክሳብ ሐዚ ኣብ  ዞባ ሰሜን ምዕራብ ብርክት ዝበሉ ወገናት ናብ መረበቶም ምምላሶም እውን ኢንጂነር የማነ ሓቢሮም።

በቲ ዝነበረ ኩነታት ብዝሕ ዝበለ ቁፅሪ ዘለዎም ወገናትና ተፀበይቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዃኖም፤ ምብፃሕ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ምዕሩይን ካብ ብልሽውና ናፃ ንምግባር ካብ ወረዳ ክሳብ ጣብያ ኣተሓባበርቲ ተመዲቦም እቲ ስራሕ ንክሳለጥ እናገበሩ ምዃኖም እውን ተገሊፁ።

ሕዱር ሕማም ንዘለዎም ክፋላት ማሕበረሰብ  ኣፋውስ ኣብ ምብፃሕን፣ ነቲ ኵናት ስዒቡ ዝፍጠር መጠን ውልደት ኣብ ምቁፅፃርን መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ምዝርጋሕ ዝተገበሩ ንጥፈታት ዝነኣዱ ምዃኖም እቶም ግዱስ ኣተሓባባሪ ኣረዲኦም።

ብመሰረት እቲ ውዕሊ ሰላም ቃል ዝተኣተወሎም ተግባራት ንምትግባር ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ኢንጂነር የማነ፥ ነቶም ብክፋል ስራሕ ዘይጀመሩ ከም ትካላት ትምህርቲ ዝኣመሰሉ ኣብ ቀረባ እዋን ንክጅምሩ ይስራሕ ከምዘሎን ነዚ ኣብ ምዕዋት ድማ ኩሉ እናተሸባሸበ ይርከብ ኢሎም።

ብታሪኩ ወ/ሰንበት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.