Fana: At a Speed of Life!

ንኣፍረይቲ ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኩለመዳይ ዓውዲታት ኢንቨስትመንታት ንምውፋር ድሌት ንዘርአዩ ኣፍረይቲ ኩባኒያታት ፈረንሳይ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ።

ዋና ፈፃሚ ስራ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰን ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ተመስገን ጥላሁን ብዛዕባ እቶም ኣማራጢጻጽ መብርሂ ሂቦም።

ኣይተ ኣክሊሉ ታደሰ÷ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘመሓድሮም ማእኸላት ኢንቨስትመንት ብዙሓት ዘዋፅኡን ምቹዋትን ኣማራፂታት ከምዘለዉ ፀሪሖም፡፡

ብፍላይ ኣብ ናፃ ዞባ ንግዲ ድሬዳዋ ኣብ ዓውዲ ንግዲን ሎጂስቲክን ከምኡ እውን ኣብ ባሕርዳርን ጂማን ብኣግሮ ፕሮሰሲንግ ሰፋሕቲ ዕድላት ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ቦሌ ለሚ ዓውዲ ኣግሮ ፕሮሰሲግ ኣብ ምፍራይ ቡቕሊ ዝተዋፈረ ዓብዪ ኩባኒያ ፈረንሳይ ሱፍሌ፤ ኢትዮጵያ ብሸርፊ ወፃኢ ተእትዎ ዝነበረት ፍርያት ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ምትራፍ ዕዙዝ ግደ ከምዝተፃወተ ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ዝርከቡ ኣመራፂታት ኢንቨስትመንት፣ ዝተሃነፁን ንኣፍረይቲ ዝቐረቡን ሓገዝቲ መሰረተ ልምዓታት ዝምልከት ገለፃ ከምዝተገበረ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.