Fana: At a Speed of Life!

ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓገዝ ፋይናንስ ብምግባር መፍረያይነት ምድንፋዕ ከምዝግባእ ኣይተ መላኩ ኣለበል

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ሓገዝ ፋይናንስ ብምግባር መፍረያይነት ምድንፋዕ ከምዝግባእ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ኣይተ መላኩ ኣለበል ገሊፆም።

ትካላት ፋይናንስ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ብፋይናንስ ንኽሕግዙ ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ኣብቲ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝገበሩዎ መደረ÷ “ምኽባር ናብራ ንምርግጋእ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ብምብርትታዕ መፍረያይነት ምድንፋዕ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ኣብ 10 ዓመት ን10 ሚሊየን ዜታት ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ትልሚ ከምዝተትሓዘ ኣብሪሆም፡፡

ትሽዓተ ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ከምዝተሓሰበ እውን ተገሊፁ፡፡

እቲ ትልሚ ንኽዕወት ብፋይናንስ ክሕገዝ ከምዝግባእ ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣገንዚቦም፡፡

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት እናረኸቡዎ ዝርከቡ ሓገዝ 19 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 90 ሚኢታዊ ካብ ባንኪ ልምዓት ዝርከብ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ግደ ባንኪታት ንግዲ ትሑት ከምዝኾ ተዛሪቦም።

ብምዃኑ ትካላት ፋይናንስ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ልቓሕ ካብ ምሃብ ጀሚሩ ቅልጡ ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ እቲ ዓውዲ ከበረታትዑ ከምዝግበኦም ተገሊፁ፡፡

ብዘመን በየነ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.