ንኣገልግሎት ትልሚ ስድራ ካብ ዘድሊ ገንዘብ፥ 23 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ክፍተት ከምዘሎ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኣገልግሎት ትልሚ ስድራ ካብ ዘድሊ ገንዘብ፥ 23 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ክፍተት ከምዘሎ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።
ከም ሃገር በቢዓመቱ ንመማልኢ እታዎታት ኣገልግሎት ትልሚ ስድራ ካብ ዘድሊ 41 ነጥቢ 1 ሚሊየን ዶላር፥ 2 ሚሊየን ዶላር ካብ መንግስቲ 15 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ድማ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።
ይኹን እንበር ንኣገልግሎት ትልሚ ስድራ ካብ ዘድሊ ገንዘብ፥ 23 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ክፍተት ከምዘሎ ላዕለወይቲ በዓልቲ ሞያ ዴስክ ኣገልግሎት ትልሚ ስድራን መናእሰይን ሰገናትን ገነት ድረስ ገሊፀን።
እቲ ክፍተት መዳርግቲ ትካላት ዝገብርኡ ሓገዝ ካብ እዋን ናብ እዋን እናቐነሰ ብምምፅኡ ዝተርኣየ ከምዝኾነ ተዛሪበን።
ብዮሐንስ ደርበው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።