Fana: At a Speed of Life!

ንኣባላት ሰራዊት ዝተውሃበ ዕቤት መኣርግን ሽልማትን ብደጀንነት ዝተሰለፈ ህዝቢ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝሃበ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብጅግንነት ታሪኽ ንዝፈፀሙ ኣባላት ሰራዊት ዝተውሃበ ዕቤት መኣርግን ሽልማትን ብደጀንነት ዝተሰለፈ ህዝቢ ንዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ተዛሪቦም።

ናይ መወዳእታ ድፋዕ ሉኣላውነት ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል ዘይተገበአ ወረ ዝነዝሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ንኽቑጠቡ ኣገንዚቦም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ምስ ግዜኢ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምስ ካልኦት ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ሓደጋ ህልውና ብምምካት ዘኹርዕ ገድሊ ከምዝፈፀሙ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሰራዊት ዝተሃነፀሉ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎን ጥንኩር ምትእስሳር ኣመራርሓን ንዘመዝገቦ ዓወት ልዑል ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ እውን ኣብሪሆም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ብምትሕብባር “ንኢትዮጵያ ከፍርስ ኢየ” ኢሉ ምብጋሱ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትን ደጀን ኣብ ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያን ልዑል ሕራነ ከምዝፈጠረ እውን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብሪሆም፡፡

ህልውና ኢትዮጵያ ንምሕላው ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ብጅግንነት ታሪኽ ንዝፈፀሙ ኣባላት ሰራዊት ዝተበርከተ ዕቤት መዓርግን ሽልማትን ኣብ ቀፃሊ ንሃገሮም ፊትንፊት ደው ዝበሉ ጀጋኑ ብምፍጣር ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኢዮም ገሊፆም ዘለዉ፡፡

እቲ ሽልማት ንሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ጎኒ እቲ ሰራዊት ዝተሰለፉ ሓይሊታት ፀፅታ ክልላትን ህዝቢን ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ዝሃበ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ሰራዊት ብዝበለፀ ብምውዳብን ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዓቕሙ ብምህናጽን ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ህልውና ንምምካት ኣብ ዘኽእል ምድላውን ቁመናን ከምዝርከብ ወሲኾም ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተፃራሪ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰራዊት ዘይተገአ ወረ ብምንዛሕ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ምፍታን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዘይተገበአ ቤላቤሎ ዝነዝሑ ኣካላት ካብ ተግባሮም ክቑጠቡ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.