Fana: At a Speed of Life!

ንኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ብውፅኢት ሃገር በቆል ምርምር ዓቢዪ ትኹረት ምሃብ ይግባእ – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ተወዳዳራይነት ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ንምድንፋዕ ብውፅኢት ሃገር በቆል ምርምር ዓቢዪ ትኹረት ምሃብ ከምዝግባእ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ዝዚ ዝበላ፥ “ስራሕቲ ፈጠራን ኮንስትራክሽን ቴክኖሎጂን ብምስግጋርን ብምስፍሕፋሕን ኢንዱስትሪ ክነዝምን ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል ብኣሰናዳኣይነት እቲ ሚኒስቴርን ኢንስቲትዩት ማኔጅመንት ኮንስትራክሽንን ንክልተ መዓልቲ ኣብ ኣዳማ ዓውደ መፅናዕቲ እንትኸፍታ ኢዩ፡፡

ኣብ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ዝካየዱ ምርምራት ፈጠራን ውፅኢታት ቴክኖሎጂን ንምፅት ምብቃዕ ንፅባሕ ዝበሃል ስራሕ ከምዘይኮነ እውን ኣገንዚበን።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ማኔጅመንት ኮንስትራክሽን ኢንጂነር ታምራት ሙሉ ብግደኦም፥ ሃገር በቆል ዝኾኑ ምርምራትን ውፃኢታት ቴክኖሎጂን ምብርትታዕን ምስራፅን ኣብ ምድንፋዕ ተወዳዳራይነት እቲ ኢንዱስትሪ ካብ ምዕባዩ ብተወሳኺ ኣብ ማህበረ ኢኮኖሚ ዝፃወቶ ግደ ዕዙዝ ብምግባር ልዑል ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዓውደ መፅናዕቲ ልዕሊ 14 ምርምር ፈጠራን ውፅኢታት ቴክኖሎጂን ናብ ኤግዚቢሽን ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ኣባላት ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማን ኮንስትራክሽን ትራንስፖርትን ኣመራርሓታት ማሕበራት እቲ ዓውዲን ከምኡ እውን ተወከልቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ከምዝተረኸቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.