Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ስርቂ ብቖራፅነት ክንቃለስ ኢና – ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃፍቲ ከይባኽንን ስርቂ ብቖራፅነት ብምቅላስን ንኢትዮጵያ ናብ ዝሐሸ ምዕራፍ ንምስግጋር ከምዝሰርሑ ላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ገሊፆም።

ንላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ “ከእዳ ወደ ምንዳ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሰናደአ ቀዳማይ ዙር ስልጠና ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተውሃበ ይርከብ።

ኣመራርሓታት ዓሚቕ ሃፍቲ ኢትዮጵያ ብግቡእ ብምፍላጥ ንልምዓትን ብኽነት ሃፍቲ ከይህሉን ብትግሃት ክለዓዓሉ ንምግባር ዝዓለመ ስልጠና ከምዝኾነ ኣብቲ ስልጠና እናተሳተፉ ዝርከቡ ኣመራርሓታት ንግዜኢ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ንኹሎም ዜጋታ ትምቹ ገይርካ ብምህናፅ ኣብ ኣፍሪካ ተምሳሌት ምዕባለ ንምግባር ተጊህኻ ምስራሕ፣ ስርቂ ብቖራፅነት ብምቅላስ ብኽነት ሃፍቲ ከይህሉ ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም፡፡

ብፍላይ እንተይተሓረሰ ፆሙ ዝሓድር መሬት ናብ ልምዓት ክኣቱ ምግባር፣ሃፍቲ ማይ ብግቡእ ምጥቃም ምልማዕመኣድናት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ብስፍሓት እናተሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዝተተለሙ ስራሕቲ ልምዓት ብሓዱሽ ኣተሓሳስባ ብቅልጣፈን ብፅሬትን ንምዕዋት ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ እቶም ላዕለዎት ኣመራርሓ÷ ንዝቕፅል ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምርካብ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሃገራዊ ሓላፍነቶም ብግቡእ ከምዝዋፅኡ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ፀገማት ናብ ዓወት ብምልዋጥ ትዮጵያ ዘለዋ ዓሚቕ ሃፍቲ ፀንቒቕካ ብምጥቃም ለውጢ ምርግጋፅ ከምዝከኣል ካብቲ ስልጠና ከምዝተገንዘቡ ገሊፆም፡፡

እቲ ስልጠና÷ ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገማት ብናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ክፍታሕ ንምስራሕ  ዓቕሚ ዝፈጥር ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ሃፍቲ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ብኽነት ከየጋጥም ጥቡቕ ክትትል ምግባር ግደ ኣመራርሓ ወሳኒ ከምዝኾነ እውን እቶም ተሳተፍቲ ስልጠና ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.