Fana: At a Speed of Life!

ንተሳተፍቲ ጉባኤ እቲ ሕብረት ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ዲጂታል መፅሄት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣብ መበል 38 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝሳተፉ ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ዘፋልጥ ዲጂታል መፅሄት ዕላዊ ገይሩ፡፡

እቲ ዲጂታል መፅሄት ብእንግሊዝኛ፣ ፈረንሳይኛን ዓረብኛን ቋንቋታት ዝተሰናደአ ከምዝኾነ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ሓቢረን፡፡

ኢትዮጵያ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ሓዊሱ ብዙሓ ኣህጉራዊን ዓለም ለኸን ጉባታት ምስንዳኣ ብኮንፈረንስ ቱሪዝም ዝርከብ ኣታዊ ብምዕባይ እቲ ዓውዲ ተመራፂ ክኸውን ከምዘኽእል እውን ገሊፀን፡፡

እቲ ዲጂታል መፅሄት ንምርካብ እዚ ሊንክ ይጠውቑ፡- https://visitethiopia.travel/download-au-2025/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.