Fana: At a Speed of Life!

ንተሓከምቲ መድሓኒት ዝተላመደ ቲቢ ዝተመጣጠነ ምግቢ ይከፋፈል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንተሓከምቲ መድሓኒት ዝተላመደ ሕማም ቲቢ ዝተመጣጠነ ምግቢ እናተኸፋፈለ ምዃኑ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝከፋፈል ዘሎ ምግቢ መድሓኒት ዝተላመደ ሕማም ቲቢ ኣቢሉ ሰውነቶም ብሕፅረት ምግቢ ንዝተጎድኡ ወገናት ከምዝኾነ ኣብቲ ኤጀንሲ ተፀዋዒ በዓል ሞያ ቀረብ እታወት ቲቢን ዓሶን ወይዘሪት ሜሮን ያዕቆብ ገሊፀን።

ሰውነቶም እኹል ዝተመጣጠነ ምግቢ ካብ ዘይምርካቢ ዝተበገሰ ከቢድ ጉድኣት ንዝበፅሖም ተሓከምቲ፥ ዝኾነ ይኹን ምድላው ምግቢ እንተየድለየ ብቐጥታ ዝወስዱዎ ዝተመጣጠነ ምግቢ እናተኸፋፈለ ከምዝርከብ እውን ኣገንዚበን።

እቲ ዝከፋፈል ምግቢ ቅልል ዝበለ ጉድኣት ኣካል ንዝበፅሖም ተሓከምቲ ዘገልግል ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሪት ሜሮን፥ ብር 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ምግቢታት ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሀን።

ብሲሳይ ጌትነት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.