Fana: At a Speed of Life!

ንቢሮ ጥዕና ክልል ዓፋር 15 ተሽከርከርቲ ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ) ንቢሮ ጥዕና ክልል ዓፋር ሓሙሽተ ኣምቡላንሳት ሓዊሱ 15 ተሽከርከርቲ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ብተወካሊ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቡበከር ካምፖ ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ ኣረኪቦም፡፡

ዝተገበረ ሓገዝ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ዘፈር ጥዕና ብፍላይ ተንቀሳቓሲ ግልጋሎት ጥዕና (ሞባይል ሄልዝ ቲም) ዝውዕል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ዩኒሴፍ ናይ ሎሚ ሓዊሱ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብኣንበጣ፣ ድርቂን ኣብ እዋን ኲናት ነቲ ክልል ንዝገበሮ ሓገዝ ኣይተ ኣወል ምስጋና ኣቕሪቦም።

ዶክተር ኣቡበከር ካምፖ ብግደኦም÷ እቲ ሓገዝ ብትኽክል ንህዝቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ምንካይ ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ትኹረት ንምግባር ተሓሲቡ ዝተለገሰ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

እተን ተሽከርከርቲ ካብ ቢሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ዩ ኤስ ኤይድ ብዝተረኸበ ሓገዝ ገንዘብ ምዃኑ ሓበሬታ ዩኒሴፍ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡

ብዓሊ ሹምባሪ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.