Fana: At a Speed of Life!

ንበዓላት ዝኸውን ልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ኩንታል ሽኮር ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ምድላው ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝቕፅሉ በዓላት ትንሳኤን ዒድ ዓልፈጥን ልዕሊ 500 ሺሕ ኩንታል ሽኮር ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ምድላው ከምዝተወገነ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ኣፈፃሚት ስራሕ ሓለዋ ንግዲ ውሽጢ ሃገርን ዓደግቲን መስከረም ባህሩ ከምዝገለፀኦ÷ ነቶም በዓላት ሕፅረት ቀረብ መሰረታዊ ጠለብ ዝኾኑ ኣቑሑት ከየጋጥም ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብፍላይ ኣብ እዋን በዓላት ብዝበለፀ ተደለይቲ ንዝኾኑን ሕፅረት ኣብ ዝረአየሎምን ፍርያታት በቢብርኩ ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ምስ ቀረብ ሽኮር ተተሓሒዙ ኣብ ፋብሪካታት ውሽጢ ሃገር ሕፅረት ፍርያት ስለዘሎ፤ ክልላት ዝነበረን ኮታ ርብዒ ዝኸውን ጥራሕ እናወሰዳ ከምዝነበራ ኣልዒለን፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኮርፖሬሽን ሽኮር ልዕሊ 500 ሺሕ ኩንታል ክዙን ሽኮር ከምዘሎ ብምሕባር፥ ኣብቶም በዓላት ክልላት ዝወስዱዎ ኮታ ልዕሊ 50 ሚኢታዊን ልዕሊኡን ንኽወስዱ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

ነቶም በዓላት ዘድልዩ ፍርያታት ሕርሻን ካልኦትን ብስፍሓት ንምቕራብ ካብ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡

እቶም ፍርያታት ኣብ ዕዳጋታት ቀዳምን ሰንበትን ብእኹል ኩነታት ንኽቐርቡ ኣንፈት ከምዝተነበረ እተን ፈፃሚት ስራሕ ንፋባ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪበን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.