Fana: At a Speed of Life!

ንቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድን ለውጢን ብምድጋፍ ኣብ ከተማታት ቴፒን የኪን ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ለውጢን ብምድጋፍ ኣብ ከተማታት ቴፒን የኪን ሰልፊ ተኻይዱ።

እቶም ሰልፈኛታት፥ “ኣብ ጎኒ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢይ ኣሕመድ ብምዃን ቀፃሊ ምዕባለ እዛ ሃገር ጋህዲ ክንገብር ኢና፣ ብምድማር ሃገርና ክንሃንፅ ኢና፣ ህዝቢን መንግስቲን ከባቢና መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገበሮ ዝርከብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብፅኑዕ ንድግፍ” ዝብሉ ጭርሖታት ኣስሚዖም፡፡

“ለውጢ ንድግፍ ፖለቲካዊ ሽርሒ ንኹንን” ዝብሉን ካልኦት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት፣ ልምዓት፣ ሰላምን ዴሞክራሲን ዝዝክሩ ናይ ድጋፍ ሓሳቦም ገሊፆም።

ኣብቲ ሰልፊ ድጋፍ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሸካ ኣይተ ኣልማው ዘውዴ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ንህንፀት ስርዓት ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ከምኡ እውን ሃገር ናይ ምፍራስ ዕላማ ጉጅታ ህወሓት ብቅልባስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንዘርአዩዎ ብሱል ኣመራርሓ ብሽም ህዝቢ ምስጋ ና ኣቕሪቦም።

እቲ ለውጢ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ጠጠው ንምባል ህዝቢ እቲ ከባቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲን ንኽኸውንን ብሕውነታዊ ስምዒት ኩለመዳይ ኣስተዋፅኦ ንኸበርክቱ መልእኽም ኣመሓላሊፎም።

ኣብቲ ዞባ እናተረኣየ ዝርከብ ሰላም ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ እውን ፀዊዖም፡፡

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ወረዳ ኣምሓራ ሳይንት ከተማ ኣጅባርን ጎረባብቲ ጣቢያታትን ዝነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ኣመራርሓ ለውጢን ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.