Fana: At a Speed of Life!

ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝተገበረ ሰልፊ ድጋፍ ፓርቲ ብልፅግናን መንግስቲን ኣብ ቀፃሊ ስረሖም ብዝበለፀ ንኽሰርሑ ዘበረታትዕ ኢዩ – ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተገበረ ሰልፊ ድጋፍ ፓርቲ ብልፅግናን መንግስቲን ኣብ ቀፃሊ ስረሖም ብዝበለፀ ንኽሰርሑ ዘበረታትዕ ምዃኑ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ፓርቲ ብልፅግናን ንምድጋፍ ሰልፊ ንዝወፅኡ ነበርቲ እቲ ክልል ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ኣይተ ሽመልስ፥ “ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ብሰላማዊ መገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣዳሊዩ ክሳብ መወዳእታ ብዘይ ዝኾነ ይኹ ፀገም ምዝዛሙ ልዑል ምስጋና ኣለኒ” ኢሎም፡፡

ብፍላይ ኣካላት ፀፅታን መናእሰይን ከምኡ እውን ኣካላት ሚዲያ እቲ ሰልፊ ብሰላማዊ መገዲ ንኽዛዘም ንዝገበሩዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ትማሊን ሎሚ መዓልቲን ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝተገበሩ ናይ ድጋፍ ሰልፊታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ምዝዛሞም፥ ኣርባዕተ ዓበይቲ መልእኽቲታት ዘመሓላለፉ ምዃነኖም እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ተዛሪቦም፡፡

ንሳቶም ድማ ህዝቢ እቲ ክልል ረብሕኡን መሰሉን ብግቡእ ዝተረደአ ምዃኑ፣ እቲ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይን ፓርቲ ብልፅግናን ዘመዝገቡዎ ዓወት ንምምስጋን፣ ንምሕጋዝን ኣብ ቀፃሊ ንዝሰርሑዎ ስራሕቲ ዘለዎም ሓገዝን ዘርአየሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ብተወሰሳኺ ህዝቢ እቲ ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ኒሑ ዝገለፀሉ ከምዝነበረ ገሊፆም፡፡

ዝተርኣየ ሞራልን ምልዕዓልን ህዝቢ ፓርቲ ብልፅግናን መንግስቲን ኣብ ቀፃሊ ስረሖም ብዝበለፀ ንኽርሑ ዘበረታትዕ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.