Fana: At a Speed of Life!

ንስድራ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ዝኸውን ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ተግባር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንስድራ ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ዝኸውን ሓገዝ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ምትእኽኻብ ተጀሚሩ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ዝነበረ እንትኸውን፥ ብዝሓደሮ ሃንደበታዊ ሕማም ካንሰር ደም ኣብ ዓይደር ሪፈራል ሆስፒታልን እስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳን ክትትል ሕክምና ይግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ 23 ነሓሰ 2012 ዓ.ም ካብዚ ዓለም ብመኞት ከምዝተፈለየ ይዝከር።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ካብ ኣብኡ ኣይተ ወልዱ ኣፅብሃን ኣዲኡ ወይዘሮ እህታለም ደመናን 2 መስከረም 1979 ዓ.ም ኣብ ከተማ ወልድያ ዝተወልደ እንትኸውን፥ ኣብ መበል 33 ዕድሚኡ ኢዩ ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ።

ጋዜጠኛ ፍቕሩ ወልዱ ብፍቕሪ ኣብ ዝፈትዎ ሞያ ዘገልገለ መንእሰይ እንትኸውን፥ መግለፂ ፍቕርናን ክብርናን ድማ ንስድርኡ ብፍላይ ድማ ንበዓልቲ ቤቱን እንኮ ውላዱን ኣብ ጎንኹም ኣለና ንምባል ዘኽእል ብዝተፈላለዩ ሜላታት ምትእኽኻብ እቶት ተጀሚሩ ኣሎ።

ስለዝኾነ ብመሰረት ሕቶ ህዝቢ ብስም በዓልቲ ቤቱ ባንክ ሒሳብ ቁፅሪ 00311464480-89 ኣብ ዓለምለኻዊ ባንኪ ኣንበሳ ተኸፊቱ ስለዘሎ፥ ንስድራ ሓውና ጋዜጠኛ ፍቅሩ ወልዱ ንምሕጋዝ እትደሊዩ/ያ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘለኹም/ኽን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እቲ ዝተገለፀ ወይ ኣብቲ ስእሊ ዘሎ ኣድራሻ ብምጥቃም ክትሕግዙ/ዛ ትኽእሉ/ላ ኢኹም/ኽን።

ብተወሳኺ GoFundMe

https://www.gofundme.com/f/support-jornalist-fikru-weldu039…

ተኸፊቱ ድጋፍ ናይ ምትእኽኻብ ተግባር ተጀሚሩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ሰምሃር ስምዓኒ ምርካብ ንእትደልዩ፥ ናብ +251 91 325 5249 ምድዋል ይከኣል ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.