Fana: At a Speed of Life!

ንስደተኛታት ዝረድእ “ስንቂ ጉዕዞ” ዝተብሃለ መተግበሪ ሞባይል ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሕዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያውይን ስደተኛታት ኩለመዳይ ሓበሬታ ዘቕርብ “ስንቂ ጉዕዞ” ዝተብሃለ መተግበሪ ሞባይል ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ኮይኑ።

ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ተዳሊዩ ዕላዊ ዝተገበረ መተግበሪ ንስደተኛታት ዝተማልአ ሓበሬታ ምሃብ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ስደተኛታት ሓበሬታ ብዘይምርካቦም ምኽብያት ንግልጋሎት ከምዝገብር እቲ ትካል ገሊፁ፡፡

እቲ ሓዱሽ መተግበሪ ሞባይልግን ምስ ህይወት ስደተኛታት ተተሓሒዙ ኣማረፅቲ ዕድል ስራሕ፣ ናይ ሃገራት ሕጊን ዝበፅሑ ፀገማትን ኣብቲ ዓውዲ ምስ ዝሰርሑ ትካላትን ኤምባሲታትን ብምትሕብባር ከሓበሬታ ብምቕራብ ንስደተኛታት ሓገዝ ዝገብር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

እቲ መተግበሪ ብቋንቋታት እንግሊዚኛ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛን ኣፋን ኦሮሞን ግልጋሎት ክህብ ተገይሩ ዝተዳለወ ኢዩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ወይዘሮ ኣየለች እሸቴ፥ እቲ መተግበሪ ተበፃሒ ንኽኸውን ክስራሕ ኢዩ ምባለን ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.