ንሰብ ሞያ ሚዲያ ትግራይ ኣብ ምክልኻል ምውዛዕ ሱኑዕ ሓበሬታ ዝጠመተ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰብ ሞያ ሚዲያን ኣንቃሕቲ ማሕበረሰብን ክልል ትግራይ ኣብ ምክልኻል ምውዛዕ ሱኑዕ ሓበሬታ ዝጠመተ ስልጠና ይወሃብ ኣሎ።
እቲ ስልጠና ምጥንኻር ዓቕሚ ሚድያ እውን ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ማእኸል ምድንፋዕ መሰላትን ዲሞክራስን (CARD) ምስ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ማሕበር ስነ-ጥበብ ኣቡጊዳን ዝወሃብ ዘሎ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኣብ ምርግጋፅ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክሰርሓ ከምዝግባእ ገሊፆም።
ህዝቢ ዘደናግሩ ዝተሰሓሓቱ ሓበሬታታት ብበዝሒ ዝውዝዕሉ መዋእል ኢና ዘለና ዝበሉ እቶም ሓላፊ፥ መራኸብቲ ማዕኸናት ነዚ ሚዛን ኣብ ምትሓዝ፣ ፅፁይ ሓበሬታ ብምውዛዕን ህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ክረክብ ሓላፍነት ወሲደን ንክሰርሓ ኣገንዚቦም።
ኣማኻሪት ጉዳያት ርክብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሮዝ ስቴቬንስ ኪሊትዝ ብግደአን፥ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚ ጋዜጠኛታት ኢትዮጵያ እናሰረሐ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።
ሐዚ ድማ ንጋዜጠኛታትን ሰብ ሞያን መራኸብቲ ማዕኸን ክልል ትግራይ ንፈለማ እዋን ስልጠና ይወሃብ ከምዘሎ ገሊፀን።
እዚ ድማ ዓቕሚ እቶም ሞያዊያን ኣብ ምብራኽ ሓጋዚ ክኸውን ኢዩ ኢለን።