Fana: At a Speed of Life!

ንሰላምን ልምዓትን ብሓባር እንተሰሪሕና ዘይንሳገሮ ፀገም የለን – ርእሰ ምምሕዳር ኣወል ኣርባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንህዝብና ንሰላምን ልምዓትን ብሓባር እንተሰሪሕና ዘይንሳገሮ ፀገም የለን ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ከምዚ ዝበሉ ኣብቲ ክልለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ቀዳማይ ዓመት ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቀዳማይ ፈረቓ ዓመት ኣብ ዘቕረብሉ እዋን ኢዩ።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዘቕረብዎ ፀብፃበ፥ ገብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ ወራርን መጥቃዕቲን ምስ ምምካት ጎኒ ንጎኒ ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዓውዲታት ውፅኢት ንምምዝጋብ ፃዕሪታት ከምዝተገበሩ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብቲ ክልል በዝፈፀሞ ወረራን መጥቃዕቲን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ኢሉ እውን ንብረት ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ ተገሊፁ።

ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህፃናት፣ ደቂ ኣኒስቲዩን ሽማግለታትን ሞት፣ ጉድኣት ኣካልን ምምዝባልን ከምዝበፅሐ ኣብቲ ሪፖርት ቀሪቡ።

ብተመሳሳሊ ንብረት ውልቀ ሰባትን ትካላትን ከምዝተሰረቐን ልዑል ጉድኣት ከምዘበፅሖን ተብራህሪሁ።

መነግስቲ እቲ ክልል ምስ መላእ ህዝብን ሓይሊታት ፀፅታን ብምዃን ንምምካት ልዑል ርብርብ ይገብር ከምዘሎ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብሪሆም።

ብሰንኪ ወረራን መጥቃዕቲ እቲ ግብረ ራዕዲ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ኣብ ግዝያዊ መዓስከር ዝርከቡን ወገናት ናይ መግቢናውቲን ኣገልግሎት ሕክምናን ይግበረሎም ከምዘሎ ኣብቲ ፀብፃብ ምግላፁ ትካል መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ፀብፂቡ።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.