ንሩሲያ ወጊኖም ዝዋግኡ ወታደራት ሰሜን ኮሪያ እናሞቱን እናቖሰሉን ከምዝርከቡ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንሩሲያ ወጊኖም ኣንፃር ዩክሬን ዝዋግኡ ወታደራት ሰሜን ኮሪያ እናሞቱን እናቖሰሉን ከምዝርከቡ ኣሜሪካ ገሊፃ፡፡
ሩሲያ ኣብ ግዝኣር ኩርስክ ቦታታት ዩክሬን ንምቁፅፃር ወታደራት ሰሜን ኮሪያ ከምዘዋፈረት ፕሬዝዳንት ዩክሬን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምግላፆም ይዝከር።
ወታደራት ሰሜን ኮሪያ ምስ ጦር ሩሲያ ብምዃን ኣብ ግዝኣት ዩክሬን ብከባቢ ዶብ ኩርስክ ድንበር አካባቢ እንትዋግኡ ልዑል ጉድኣት እናተኣናገዱ ከምዝኾኑ ላዕለዋይ ወታደራዊ በዓል መዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።
እቶም በዓል መዚ ክንደይ ዝኣክል ከምዝተቐተሉ ትኽክለኛን ዝርዝርን ሓበሬታ ኣይሃቡ እምበር ሓይሊታት ሰሜን ኮሪያ ኣብቲ ኲናት ጥንኩራት ኮይኖም ኣይተርኣዩን።
ከም ፀብፃብ ኣሶሼትድ ፕሬስ እንተኾይኑ 200 ዝኾኑ ወታደራት ምዉትን ቁሱልን ኮይኖም።