Fana: At a Speed of Life!

ንረቀቕቲ ሕግታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝቃወሙ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ኣሜሪካ ክካየዱ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዚያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንረቀቕቲ ሕግታት ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199ን ዝቃወሙ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ከተማታት ዋሺንግተን ዲሲን ሎስ ኣንጀለስን ክካየድ እዩ።

ፅባሕ ፊት ንፊት ዋሺንግተን ዲሲ ዋይት ሃውስ ከምዝካየድ ሰላምን ደሕንነትን ንኢትዮጵያ ማሕበር ኣካቢ ግብረ ሓይሊ ዋሺንግተን ዲሲ ኣይተ ጣሰው መላከህይወት ገሊፆም።

“ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199 ኢትዮጵያን  ኢትዮጵያውያንን ዝጎድእ እዩ” ፣ ”እቶም ሕግታት ርክብ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ዝጎድኡ እዮም” ፣ ”ማዕቐብ ቀታሊ እዩ” ን “ኤችኣር 6600ን ኤስ 3199 ይሰረዙ” ዝብሉ ጭርሖታት በቶም ሰልፈኛታት ከምዝመሓላለፍ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ሰልፊ ካብ ኢትዮጵያውያን ብተወሳኺ ፈተውቲ ኢትዮጵያ ኤርትራውያን ከምዝሳተፉ ተዛሪቦም።

እቲ ዳያስፖራ እቶም ሕግታት ኣብ ኢትዮጵያ ዘብፅሕዎ ጉድኣት በብ ከባቢኦም ንዝርከቡ ኣባላትን ሴናተራትን ብምርዳእ ንከይድግፍዎ ንምግባር ፃዕሮም ከጠናኽርሉ ከምዘሎዎም ሓቢሮም።

ኣብቲ ሰልፊ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ከምዝሳተፉ ካብ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቶም ሰልፍታት ኣብቲ ረቂቕ ሕግን ተሓባባሪ እቲ ሕጊ ኣርቐቕቲ ብዝኾኑ ኣብ ኣባል ኮንግረስ ካሊፎርኒያ ብራድ ሼርማን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ተዘሪቡ።

ትውልደ ኢትዮጵያውያኑን ኤርትራውያንን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ዝካየድ መረፃ ኮንግረስ ንዝወዳደሩ ብራድ ሼርማን ድምፂ ከምዘይህቡ ግልፂ መልእኽቲ ከመሓላልፉ እዮም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.