Fana: At a Speed of Life!

ንረቀቕቲ ሕጊ ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199 ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 መጋቢት ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝሳተፉፉሉ ንረቀቕቲ ሕጊ ኤች ኣር 6600ን ኤስ 3199 ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ክካየድ ኢዩ፥

ኣብ ፊት ንፊት ካፒቶል ሂል ዝካየድ እቲ ሰልፊ፥ እቶም ረቀቕቲ ሕጊታት ንህልውና ኢትዮጵያ ዝጎድኡ ስለዝኾኑ፤ ውድቂ ክኾኑ ኣለዎም ዝብሉ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ ማሕበር ግብረ ሓይሊ ሰላምን ሓድድነትን ንኢትዮጵያ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣፍሊጡ።

እቶም ረቀቕቲ ሕጊ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካ ዘሎ ርክብ ዝጎድኡ ከምኡ እውን መንግስቲ ኣሜሪካ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ዘይሕልዉ ሕጊታት ከምዝኾኑ ክግንዘብ ከምዝግባእ ዘተሓሳስቡ ጭርሖታት ከስምዑ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

ፅባሕ ኮሚቴ ሴኔት ርክባት ወፃኢ ኣብ ረቂቕ ሕጊ “ኢትዮጵያ ፒስ ኤንድ ዴሞክራሲ ፕሮሞሽን ኣክት ኦፍ 2021” ወይ እውን ኤስ 3199 ኣድሂቡ ዘተ ከምዝገብር ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ረቂቕ ሕጊ ኣድሂቡ 14 መጋቢት 2014 ዓ.ም ክገብሮ ዝነበረ ዘተ ምንውሑ ዝዝከር ኢዩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.