Fana: At a Speed of Life!

ንምዕባለ ኢትዮጵያ ክንሰርሕ ኢና – ከንቲባ ኣዳነች

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀገማት ኣሰራርሓን ኣወሃህባን ኣገልግሎት ብዘላቕነት ብምፍታሕ ንምዕባለ ኢትዮጵያ ተጊህና ክንሰርሕ ኢና ክብላ ከንባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡

ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ከተማ “ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንሰለስተ መዓልቲታታት ዘካየዱዎ ዘተ ቅድመ ጉባኤ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ተዛዚሙ፡፡

ፓርቲ ብልፅግና ሓሳብ ብምፍልፋል፣ ንህዝቢ ቃል ብምእታውን ምትግባርን ኣፈፃፅምኡ ባህሊ ኮይኑ ክዘልቕ ኣብ ምግባር ብዙሓት ዓወታት ከምዘመዝገበ እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ገሊፀን፡፡

ኣብ 1ይ ስሩዕ ጉባኤ ብዝተኣተወ ቃል መሰረት ህብረ ብሄራዊ ሓድነት እቲ ፓርቲ ከምዝተጠናኸረ፣ መካተቲን ሓድነት ከምኡ እውን ኣሳታፊ ስርዓት ፖለቲካ ብምዝርጋሕ ውፅኢት ተመዝጊቡ አለን፡፡

ኣብ ኣዲስ ኣበባ እዋናዊን ውዙፍን ፈተናታት ብምስጋር፣ ከተማና ማእኸል ስሕበት ዝገበሩ ፕሮጀክታትን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ዘረጋገፁ ሰብ ተኮር ስራሕቲ ምውጋን ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን።

ኣመራርሓ ብዝተለወጠ ባህሊ ስራሕን ተግባራዊ ኣተሓሳስባን ሓድነቱ ኣጠናኺሩ ከም ሃገር ይኹን ከም ከተማ ንዝተመዝገቡ ውወፅኢታ ልዑል ግደ ከምዝተፃወተ ኣገንዚበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.