Fana: At a Speed of Life!

ንምብራቕ ኣፍሪካ ግልጋሎት ብመሃብ ሸርፊ ወፃኢ ዘምፅእ ትካላዊ ዓቕሚ ይፍጠር ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ምዕሩይነትን ምዘናን ኢትዮጵያ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ግልጋሎት ብመሃብ ሸርፊ ወፃኢ ከምፅእ ዝኽእል ትካላዊ ዓቕሚ እናተፈጠረ ምዃኑ ገሊፁ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኮርፖሬት ሰርቪስ እቲ ትካል ጋሻው ተስፋዬ፥ ንፍርያትን ግልጋሎትን ላቦራቶሪ ፍተሸ ከምኡ እውን ግልጋሎት ኢንስፔክሽንን ሰርቲፊኬሽንን ከዝምን ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ኣብ ሓበራዊ ዕዳጋ እታወታት ንግዲ ዝህልዉ ክትዓት ንምድናይ ተመራፂ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ነዚ ዓቕሚ ብምጥንኻር ሸርፊ ወፃኢ ዘምፅእ ትካል ንምፍጣር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ፍርያቶምን ግልጋሎቶምን ዘፈትሹ ትካላት ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝርከብ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ትካል ዓለም ለኸ ኣፍልጦ ኣብ ዝረኸበሎም 145 ላቦራቶሪ ፍተሸ፣ ወሰናት ኢንስፔክሽንን ሰርቲፊኬሽንን÷ ኣብ 2015 ዓ.ም ን22 ሺሕን 334 ግልጋሎታት መረጋገፂ ፅሬት ምሃቡ ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.