Fana: At a Speed of Life!

ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 200 ፓምፕታት መስሐቢ ማይ ሓገዝ ተገይሩሉ

ኣዲስ አበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን 200 ፓምፕታት መስሐቢ ማይ ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓገዝ ገይሩ።

ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ኣይሻ መሓመድ እቲ ሓገዝ ኣብ ዘበርከታሉ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ ዕላማ እቲ ሓገዝ ኣብታ ከተማ ዝተጀመረ ሕርሻ ከተማ እናርአዮ ዝርከብ ምንቕቓሕ ኣብ እዋን ሓጋይ እውን ተጠናኺ ንኽቕፅል ኢዩ፡፡

ብሓገዝ መልክዕ ዝተበርከቱ ጳምፕታት÷ ኣብታ ከተማ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝተጀመረ ሕርሻ ከተማ ቀፃልነት ንኽህልዎ ማይ ኣብ ዝርከበሉ ከባቢ ማይ ክስሕቡ ዝኽእሉ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡

እቲ ሓገዝ ዝተረከባ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን÷ ነታ ከተማ ኣቕሚ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ ትካላት ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢታትን ሓደ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ ብምሕባር÷ እቶም ፓምፕታት ማይ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዘረክበ እወን ኣብሪሀን።

ብቅድስት ብርሃኑ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.