Fana: At a Speed of Life!

ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮረና ዝዉዕል ልዕሊ ብር 53 ሚልዮን ቐረባት ወፃኢ ከም ዝተገበረ ንኡስ ኮሚቴ ቴክኒካል ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮረና ዝዉዕል ልዕሊ ብር 53 ሚልዮን ቐረባት ወፃኢ ከም ዝተገበረ ንኡስ ኮሚቴ ቴክኒካል ጥዕና ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቶም ቐረባት ካብ መንግስትን ሰብ ውልቀ ሃፍትን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ካብዚ ድማ እቲ 30 ሚልዮን ቀረባት ናብ ኩለን ትካላት ጥዕና ክልል ትግራይ ከም ዝተላኣኹ ተገሊፁ።

ምኽትል ቢሮ ሓላፊ ጥዕናን መተሓባበሪ ንኡስ ኮሚቴ ቴክኒካል ጥዕና ክልል ትግራይን ዶክተር ርእየ ኢሳያስ፥ ኩነታት ቐረብ ዓብይ ፈተና ኮይኑ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ኣብ ትግራይ ኣርባዕተ መእተዊ በርታት ከም ዘለዋን ሐዚ ዘሎ ኩነታት ምርመራ ቫይረስ ኮረና እዉን ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከም ዝርከብን እውን ገሊፆም።

እቲ ከይዲ ምርመራ፥ ኣብ ኩለን መወሸቢ ቦታታትን ናብ ጫፍ ዶባትን ዝጓዓዙ ናይ ዓበይቲ መኻይን ኣሽከርከርቲ፣ ዳህሳስ ገዛንገዛ ሓዊሱ ብዝሐሸ ኣግባብ እናተሰርሐ ምዃኑን፣ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮረና ብፍላይ ኣብ ናይ እምነት ቦታታት ትኹረት ተገይሩ ይስራሕ ከምዘሎ እቶም ምክትል ሓላፊ ተዛሪቦም።

መመርመሪ ማእኸል ካብ መቐለ ብተወሳኺ ኣብ ኣኹስም ኣብ ቐረባ ከም ዝጅምር ዝሓበሩ ዶክተር ርእየ፥ ኣብ ምክልኻል እቲ ተለባዲ ሕማም ሕብረተሰብ ዘርእዮ ዘሎ ሸለልትነት ዋጋ ከኽፍል ስለዝኽእል ህዝቢ ባዕሉ ንኽከላኸል ኣተሓሰሲቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.