Fana: At a Speed of Life!

ንሕና ኣብ ዝተመቻቸወ ኩነታት እናነበርና ወገናትና ተመዛቢሎም ክንርኢ ኣይንደሊን – ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኮቨንተሪ፣ ሰቶክ ኦን ትሬንትን ማንቸስተርን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት እናፈፀሞ ዝርከብ መጥቃዕቲ ብምኹናን ንዝተመዛበሉ ወገናት ሓገዝ ኣተኣኻኺቦም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ተፈሪ መለሰ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሓድነት ኢትዮጵያ ንመፍራስ እናፈፀሞ ዝርከብ እኩይ ተግባር ብሓድነት ብምልዓል ምፍሻል ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ብተስፋን ፈተናን ተዓጂቡ ብዓወት እናቐፀለ ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣምባሳደር ተፈሪ፥ ብዙሓት ዛዕባታት ሪፎርም ስለዝተዘርግሑ ዳያስፖራ ብዘለዎ ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ክፃወቶ ዝኽእል ግደ ልዑል ኢዩ ኢሎም፡፡

ሊቃነ መናብርት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ እተን ከተማታት ብግደኦም፥ ዘጋጠመ ፈታኒ ፀገም ንምሕላፍ ኩሉ ሓላፍነት ንመንግስቲ ጥራሕ ምሕዳግ ብሓደ ኢድ ምጥቓዕ ከምዝኾነን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓድነት ተላዒሉ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብሉ ከምዝግባእን ገሊፆም፡፡

ኣብተን ከተማታት ዝነብሩ ክፋላት ማሕበረሰብ ድማ ዝተጀመረ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ለንደን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.