Fana: At a Speed of Life!

ንሕቶታት ልምዓትን ፀጥታን  ነበርቲ ከተማ መቐለ ምላሽ ንምሃብ ፍሉይ ጠመተ ተገይሩ እናተሰርሐ ምዃኑ ግዚያዊ ምምሕዳር መቐለ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ነበርቲ ከተማ መቐለ ናይ ልምዓትን ፀጥታን ሕቶታት መልሲ ንምሃብ ፍሉይ ጠመተ ተገይሩ እናተሰርሐ ምኳኑ ግዚያዊ ምምሕዳር ከንቲባ መቐለ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ገሊፆም።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ዝኾኑ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ፤ ምስ ሕጊ ምኽባር ተተሓሒዙ እቲ ጁንታ ኮነ ኢሉ እታ ከተማ ክትዝረፍ ገይሩ እዩ፤ ግልጋሎት መንግስቲ ክቋረፅ ተገይሩ እዩ። እዚ ስዒቡ ድማ ዝተፈጠረ ናይ ልምዓትን ፀጥታን ስግኣት ንምቕራፍ እቲ ምምሕዳር ምስ መከላኸሊ ሃገር ብምኳን ዝተጠናኸረ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ።

ኣብ ፈለማ ዝነበረ ስርቂ ሕዚ ቀኒሱ እዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ፤ ብዙሓት ቤት ዕዮ መንግስቲ ኮነ ተባሂሎም ዝተዘረፉ እንትኾኑ እቲ ጉጅለ ጥፍኣት ሰነዳት ንምጥፋእ ኢሉ ከምዝገበሮ ገሊፆም።

ኣፍታ ከተማ ግልጋሎት መጓዓዝያ ታክሲ፣ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት እውን ከምዝጀመሩን ህዝቢ ካብ ስግኣት ነፃ እናወፀ ምኳዱን ናብ ንቡር ናብርኡ ምምላስ ከምዝጀመረ እቶም ከንቲባ ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.