ንልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ፕሮጀክታት ፅሩይ መስተ ማይ ተመሪቖም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ንልዕሊ ፍርቂ ሚሊየን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጠቀምቲ ዝገብሩ ፕሮጀክታት ፅሩይ መስተ ማይ መሪቐን ንግልጋሎት ክፍቲ ገይረን።
እቶም ፕሮጀክታ ማይ ዕለታዊ ምፍራይን ዝርገሐን ከምኡ እውን ዓቕሚ ምውጋድ ፈሳሲ እታ ከተማ ክብ ከምዝገብር ተሓቢሩ፡፡
ክሳብ 500 ሜትሮ ዕምቆት ዘለዎም ኣብ መዓልቲ 67 ሺሕ ኪዩብ ሜትሮ ማይ ማይ ክህቡ ዝኽእሉ 25 ኳቲ ጎዳጉዲ ማይን ህንፀት መሰረተ ልምዓት ማይን ዘካተቱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።
እቶም ጎዳጉዲ ማይ÷ ስራሕቲ ኤሌክትሮ ሜካኒካል፣ 31 ኪሎ ሜትሮ ዝተፈላለየ ስፍሓት ዘለዎም ዝርገሐ መስመራት ማይን ክሳብ 1 ሺሕን 500 ኪዩብ ሜትሮ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎም መእከቢ ገንኢን ዝተሰርሐሎም ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡
እዚ ድማ ዕለታዊ ዓቕሚ ምፍራይ ማይ እታ ከተማ ናብ 792 ሺሕ ኪዩብ ሜትሮ ክብ ንምባል ዘኽእል ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com