Fana: At a Speed of Life!

ንላዕለዋይ ልኡኽ ኣባል ሃገራ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ስግግር ፍትሒ ዝጠመተ ገለፃ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ሚኒስቴር ፍትሒን ኣብ ከይዲ ኣተገባብራ ስግግር ፍትሒ ትኹረት ብምግባር ንላዕለዎት ሓለፍቲ ጉዳያት ኣፍሪካ ኣባል ሃገራ ሕብረት ኣውሮፓ ገለፃ ገይሮም።

ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ÷ ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ መንግስቲ ዘርአዮ ቆራፅነት ኣብ ኩለመዳይ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ጭቡቐጥ ለውጢ ንኽመፅእ ዘኽአለ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መንግስቲ ምስ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ድርድር ብምግባር እታ ሃገር ናብ ሰላማዊ ኩነታ ንምምላስ ተግባራዊ ስጉምቲ እናወሰደ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ሰናይ ርክብ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ውሳነ ዘመሓላለፎ ውሳነ ኢትዮጵያ ከምትንእድ እውን ኣልዒሎም፡፡

እቲ ሕብረት ዝተጀመረ ህንፀት ሰላም ንኽድግፍ ኣምባሳደር ምስጋኑ ሓቲቶም።

ሚኒስትር ዴኤታ ፍትሒ ኣይተ ፍቃዱ ፀጋ ብግደኦም÷ መንግስቲ ኣብ እዋን እቲ ኲናት ገበን ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ዝገብረሉ ስርዓት ስግግር ዝተፈላለዩ ኣካላት ብዘሳተፈ መልክዑ እናተሰናደአ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ሰነድ ግቡእ ሕጋዊ ከይዲ ሓሊፉ ካብ ዝቕፅል ወርሒ መስከረም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ገሊፆም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ሓፈሻዊ ትሕሕቲ ከይዲ ስግግር፣ መሰረታዊ መምርሒታቱን ኣተገባብርኡን ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ በቶም ኣባላት ንዝተልዓሉ ሕቶታትን ርኢቶታትን ምላሽ ከምዝተውሃበ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያ ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.