Fana: At a Speed of Life!

ንሉኣላውነትን ክብሪን ኢትዮጵያ ድምፅኹም ዘስማዕኹም መላእ ኢትዮጵያውያን መንግስቲ ምስጋንኡ የቕርብ!!

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ንሉኣላውነትን ክብሪን ኢትዮጵያ ድምፆም ንዘስምዑ መላእ ኢትዮጵያውያን ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ “ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ዘይደራደር ከምዝኾነ ሎሚ እውን ብዕሊ ኣፍሊጡ ኢዩ” ኢሉ።

ትማሊን ሎሚ መዓልቲን “ንኢትዮጵያ ደው ክብል ኢየ፤ ድምፀይ ከስምዕ ኢየ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ከተማታት ዝተገበሩ ሰላማዊ ሰልፊታት÷ ህዝቢ ኣብ ሉኣላዊነትን ክብሪን ሃገሩ ከመዘይደራደር ድምፁ ዓው ኣቢሉ ከምዘስመዐ ገሊፁ።

ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ሃገሩ ንዝኾነ ይኹን ኣሕሊፉ ከምይህብን ዝኾነ ይኹን ኢድ ኣእታውነት ከምዘይቕበልን ከምዝገለፀ እውን እቲ ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ድምፂ ህዝቢ ብግቡእ ክስማዕ ይግባእ ዝበለ እቲ ኣገልግሎት÷ “ህዝብና ዘስመዖ ድምፂ ድምፂ ኢትዮጵያ ኢዩ፤ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ኢድ ክእተዋ ዘይትደሊ ሃገር ኢያ” ኢሉ።

ኢትዮጵያውያን ሎሚ እውን ከም ትማሊ ብዝኾ ይኹን ኩነታት ብዝኾነ ይኹን ሓይሊ ወፃኢ ሉኣላዊነት ሃገሮም ከይድፈር ዘብዒ ከምዝኾኑ ከምዘረጋገፁ እውን ኣፍሊጡ፡፡

“ሉኣላዊነትና ይከበር፣ ብሽም ሰብኣዊ መሰል ኢድ ምእታው ደው ይበል፣ ኲናት ልኡኽቶ የኣክል፣ ዝብሉን ካልኦትን መልእኽቲታት ከምዘስምዑም ብዝኾነ ይኹን ኩነታት ንኢትዮጵያ ከምዝቖሙን ኣረጋጊፆም” ኢሉ፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝኸፈቶ ኲናት ስዒቡ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ትካለት፣ ውልቀ ሰባትን ሚዲያታትን ዘጋውሑዎ ዝተሰሓሓተ ቅዋም ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ከምዝቃወሞ እውን ገሊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ንግዛታዊ ሓድነነትን ሉዓላዊነን ዝገብሮ ቃልሲ እውን ደጊፎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብህዝቢ ዝተመረፀ ስለዝኾነ÷ ንዝንፀባረቑ ድሌታት ህዝቢ ኣፍልጦ ከምዝህብ ዝገለፀ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ÷ መንግስቲ  ኢትዮጵያ ብሉኣላዊነት ሃገር ከምዘይደራደር እናገለፆ ዝፀንሐ ካብ ድሌት ህዝቢ ዝፈልፈለ ሓሳን ከምዝኾነ ፈታዊን ፀላኢን ክፈልጦ ይግባእ ኢሉ።

መንግስቲ ንሉኣላውነትን ክብሪን ኢትዮጵያ ድምፆም ዘስምዑ መላእ ኢትዮጵያውያን ምስጋንኡ ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.