Fana: At a Speed of Life!

ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ(ህ.ወ.ሓ.ት) ሓፈሻዊ ግባኤኡ ክገብር ከምዝኾነ ንመራኽብቲ ሓፋሽ ምዝራቡ ስዒቡ እቲ ቦርድ ነቲ ፓርቲ ዝፀሓፎ ደብዳበ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)

 

መቐለ

 

ጉዳዩ  ፡- እቲ ፖርቲፀዊዑዎ ዝተብሃለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ይምልከት

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 3 ነሓሰ 2016 ዓ ም ብቑፅሪ አ1162/11/15180 ነቲ ፓርቲ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ እቲ ፓርቲ ብፍሉይ ኩነታት ምምዝጋቡ ገሊፁ ኢዩ። ሕጋዊ ሰውነቱ መረጋገፂ ወረቐት ምስክር እውን ተዋሂቡዎ ኢዩ።

እቲ ፓርቲ ልዕል ክብል ዝተገለፀ ናይቲ ፓርቲ ደብዳበን ወረቐት ምስክርን ካብ ዝበፅሖ ዕለት ጀሚሩ ዝመሓደር ብናይ ኢትዮጵያ ምርጫ ናይ ፖለቲካ ፓርቲታት ምዝገባን ናይ ምርጫ ስነ ምግባርን ኣዋጅ ቁፅሪ 1162/2011ን ነዚ ኣዋጅ ብዘመሓየሽ  ኣዋጅ ቁፅሪ 1332/2016 ከምኡውን  እቶም  ኣዋጃት መሰረት ተገይሩ ብዝወፅኡ መምርሒታትን  ውሳነታት እቲ ፓርቲን መሰረት ኢዩ።

እቲ ቦርድ ውሳነ ዝሃበሎምን ኣብቲ ደብዳበ ካብ ዝገለፆም በቲ ፓርቲ ምትግባር ካብ መንጎ  ዝግነኦም እቲ ፓርቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅድሚ ምግባሩ 21 መዓልታት ኣቐዲሙ ነቲ ቦርድ ምፍላጥን እቲ ፓርቲ ኣብ ዝገብሮ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይቲ ፓርቲ ተዓዘብቲ ምርካብ ብዋናነት ዝተገለፁ ግዴታታት ኢዮም።

ይኹን እንበር ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ፓርቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክገብር ከምዝኾነ እቲ ቦርድ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽ ይፅብፀብ ከምዘሎ ርእዩ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ቦርድ ንሓደ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምግባር ኣድለይቲ ዝኾኑ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ንክፈልጥ ኣብ ዘይተገበረሉ፣ ኣብዘይተኸታተሎን ኣብዘይኣረጋገፀሉን ኢሉ ውን ተዓዘብቲ እቲ ፓርቲ ኣብ ዘይተረኸቡሉ ተፀዊዑ ዝተብሃለ ሓፈሻዊ ጉባኤ ክካየድ ኣይኽእልን።

ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብ ፍቓድ እቲ ፓርቲ ወፃእ እንተተኻይዱ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ነቲ ጉባኤ ይኹን ኣብቲ ጉባኤ ዝውሰኑ ውሳነታት ብሙሉኦም ኣፍልጦ ዘይህብ ከምዝኾነ ብኽብሪ ነፍልጥ።

 

ምስ ኣኽብሮት ሰላምታ

 

ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.