ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ልዕሊ 876 ሚሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ዝውዕል ልዕሊ 876 ሚሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ገሊፁ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ሃይሉ ኣብርሃም ከምዝገለፁዎ÷ ህዝቢ ንዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ።
ህዝቢ ንህንፀት እቲ ግድብ ሓገዝ ገንዘብ ሓዊሱ ዝተፈላለየ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝኾነ እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ፈላማይ መንፈቕ ዓመት እቲ በጀት ዓመት 1 ቢሊየን ብር ንምእካብ ተሓሲቡ ልዕሊ 867 ሚሊየን ብር ምእካብ ከምዝተኸኣለ ሓቢሮም።
ዝተኣከበ ገንዘብ ካብ ዳያስፖራ፣ ካብ ዕድጊት ገንዘብ ውሽጢ ዓዲን ህያብን ከምኡ እውን ካብ ሓፂር ፅሑፍ መልእኽቲ 8100 A ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ድማ ካብ ዕድጊት ቦንድን ህያብን ዝተኣከበ ኣታዊ ዝዓበየ ብፅሒት ከምዘለዎ ገሊፆም።
እቲ ቤት ፅሕፈት÷ ሓደሽቲን ነባርን ሜላታት መተኣኻኸቢ እቶት ብምትግባር ስራሕቲ ምትእኽኻብ እቶት ከምዘጠናኽርን ሕብረተሰብ ዝገብሮ ሓገዝ ንኸጠናኽር ፃውዒት ከምዘቕረቡን ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna