Fana: At a Speed of Life!

ንሃገር ቦቆል ፍልጠትን መድሓኒትን ጠመተ ምሃብ ይግባእ- ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገር ቦቆል ፍልጠትን መድሓኒትን ጠመተ ምሃብ ይግባእ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር  ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኤግዚብሽን ፍሪያትን ኢኖቬሽንን እታዎት ሕክምና ውሽጢ ዓዲ ሎሚ ተሳሊጡ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ፥ ፍሪያት እታዎት ሕክምና ውሽጢ ዓዲ ምስፋሕ ካብ ወፃኢ ዝኣቲ ፍሪያት ንምትካእ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣገልግሎት ጥዕና ዜጋታት ምስትኽካል ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ 6 ተኸታተልቲ መዓልታት ኣብ ዝፀንሐ ኤግዚብሽን፥ ልዕሊ 100 ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ኣፍረይቲ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁ።

መድረኽ ፓነል ዘተ ኣውፃእቲ ፖሊሲ፣ ኣፈፀምቲ፣ ምሁራን እቲ ዓውዲ፣ ተመራመርቲ፣ ሰብ ሞያን ኣፍረይቲን ሓዊሱ ብዙሓት ልውውጣት ልምዲ ከምዝተገበረሉ ተሓቢሩ።

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.