Fana: At a Speed of Life!

ንሃገርና ኣድላዪ መስዋእትነት ንምኽፋል ድልዋት ኢና-ሰልጠንቲ ኮማንዶ ብላቴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሃገርና ኣድላዪ መስዋእትነት ንምኽፋልን ሃገር ንምድሓንን ድልዋት ኢና ክብሉ ሰልጠንቲ ኮማንዶ ብላቴ ገሊፆም።

እቶም ሰልጠንቲ ሃገር ንምብታንን ሰላማ ንምዝራግን ይሓልሙ ምስ ዘለዉ ጉጅለታት ግብረ ራዕዲ ንምጥፋእ ከምዝተዳለዉ ኢዮም ገሊፆም።

ንብዙሕ ዓማው ሓቚፋን ደጊፋን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንዘብፀሐት ሃገርና ውዕለታኣ እንኸፍለሉ ጊዘ ሐዚ ኢዩ እውን ኢሎም።

ተወካሊ ምክትል ኣዛዚ እቲ ማእኸል ሻለቃ አበባው ሞላ፥ ኣብቲ ማእኸል ዝርከቡ መበል 36ን 37ን ዙር ሰልጠንቲ ኮማንዶ ስልጠነኦም ብህልኽን ብወነን ይወስዱ ከምዘለዉ ገሊፆም።

እቲ ወራሪ ሓይሊ ንምምካት ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ዝበፅሐሉ ወተሃደራዊ ሳይንስን ጥበብን ናይ ኣሰላልፋ ሚዛን ዘማእኸለ ስልጠና ብብቕዓትን ፅርየትን እናሃብና ንርከብ ምባሎም ካብ መከላከያ ሰራዊት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.