Fana: At a Speed of Life!

ኔቶ ምስ ሩሲያ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ኣሚኑ ኢዩ – ሜድቬዴቭ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ቃል ኪዳን ጦር ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ምስ ሩሲያ ናብ ኲናት ከምዝኣተወ ዋና እቲ ትካል ዬንስ ስቶልተንበርግ ብተዘዋዋሪ ኣሚኖም ክብሉ ነበር ፕሬዚዳንት ሩሲያ ዲሚትሪ ሜድቬዴቭ ገሊፆም፡፡

ስቶልተንበርግ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ÷ “ሩሲያ ኣብቲ ኲናት እንተተዓዊታ ንኔቶ ስዕረት ኢዩ” ምባሎም ይፍለጥ።

ነበር ቀዳማይ ሚኒትር ኖርዌይ ዬንስ ስቶልተንበርግ ንጋዜጠኛታት ርኢቶ ዝሃቡ÷ ሎሚ መዓልቲ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ኔቶ ምስ ሚኒስትር ምክልኻል ዩክሬን ኣሌክስ ሬዝኒኮብ ንምርኻብ ኣብ ዝተሰናድኡሉ እዋን ምዃኑ ኣር ቲ ፀብፂቡ፡፡

ዲሚትሪ ሜድቬዴቭ “ቅኑዕኖርዌያዊመሳርሕቲ ኔቶ ኣብ መወዳእታ እቲ ሓቂ ኣሚኑ” ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትራት ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼበኦም÷ ካብ ካልኦት ጉዳያት ብተወሳኺ ንዩክሬን ብምሕጋዝ ንጦር ሩሲያ ምስዓር ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ከምዝዝትዩ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.