Fana: At a Speed of Life!

ኔታንያሁ ሃማስ ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ንምልቃቕ ዘቕረቦ ሓሳብ ውድቂ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ ኲናት ጋዛ ንኸብቅዕን ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ንምልቀቃቕን ሃማስ ንዘቕረቦ ሓሳብ ውድቂ ገይሮም፡፡

ሃማስ ምስ እስራኤል እናካየዶ ዝርከብ ደም ዘፋስስ ኲናት ጠጠው ከብል ይኽእል ኢዩ ዝበሎ ሓሳብ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ፡፡

በዚ ድማ እስራኤል ኣብ ጋዛ እናካየደቶ ትርከብ ወታደራዊ ወፍሪ ጠጠው ስንተቢላን ሰራዊታ እንተውፂኣን ዝተዓገቱ እስራኤላውያን ከምዝለቕቕ ሃማስ ኣፍሊጡ ኢዩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ቤንያሚን ኔታንያሁ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣበ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ሃማስ ኣብ ጋዛ እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ጠጠው ንኽብል ዘቕረቦ ሓሳብ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ተዛሪቦም፡፡

“እቲ ሓሳብ ምቕባል መስዋእትነት ብዝኸፈሉ ወታደራት እስራኤል ከም ምቕላድ ይቑፀር” ኢሎም ኔታንያሁ፡፡

ሃማስ ስዕረት እናመዓጐ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እቲ ጉጅለ ኲናት ጠጠው ንምባል የኽእል ኢዩ ብዝብል ዘቕረቦ ሓሳብ ውድቂ ከምዝገበሩዎ ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.