Fana: At a Speed of Life!

ናይ ውልቀ መራኸብቲ ሓፋሽ ንሕብረተሰብ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ሓሊፎም ማሕበራዊ ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ይርከቡ -በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ውልቀ ትካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ወገናት ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዓይነት ምግባሮም በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ ንህፃናት ዝውዕሉ ሃነፅቲ ምግቢታት፣ ኮቦርታን ካልኦት ናውቲን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ዋና ዳሬክተር በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ መሓመድ እድሪስ፥ መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ካብ ምፍሻልን እቲ ሓቂ ንዓለም ካብ ምፍላጥን ብተወሳኺ ማሕበራዊ ሓላፍነቶም ንምውፃእ ሓገዝ ምግባሮም ዝበረታታዕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ሓዊሱ 14 ናይ ውልቀ (ንግዲ) መራኸብቲ ሓፋሽ ኢዮም 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዓይነት ገይሮም ዘለዉ፡፡

እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ብመተሓባበሪ ዘፈር ማሕበራዊ ብሮድካስተራት ኣቢሎም ሓገዝ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅ እውን ሓለፍቲ ስራሕ እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ተዛሪቦም።

ብኣዳነች ኣበበ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.