Fana: At a Speed of Life!

ናይ ወፃኢ ግብኣት መዓድን ፈሓም እምኒ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ሃገር ዉሽጢ ንምትካእ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም እዩ  -ኢንጅነር ታከለ ኡማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ናይ ወፃኢ ግብኣት መዓድን ፈሓም እምኒ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ዉሽጢ ሃገር  ንምትካእ ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም እዩ” ክብሉ ሚኒስትር መዓድን ኢንጅነር ታከለ ኡማ ገሊፆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ፋብሪካታት ስሚንቶ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝፈረዩ ምህርቲ ፈሓም እምኒ ምጥቃም ምጅማረን ዝሓበሩ እቶም ሚኒስተር፤ ካብ እዋን ናብ እዋን ምህርቲ ስሚንቶ እናወሰኸ ምኻኑ ገሊጾም፡፡

ፈሓም እምኒ ዘፍርዩ ትካላት ኣብ ቀረባ እዋን ከይዲ ህንፀቶም ዛዚሞም ናብ ስራሕ ዝኣትዉ እንትኾኑ፤ ድልየት ምህርቲ ሲሚንቶ ዝምጥን ከምዝኸዉን ሓቢሮም፡፡

ሎሚ ዕለት ኣብ ፋብሪካ ስሚንቶ ደርባ ዕዉደት ዝገበሩ ኢንጅነር ታከለ ኡማ፤ ምህርቲ እቲ ፋብሪካ ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ምምፅኡ ተዓዚበ እየ ኢሎም፡፡

ናይ ወፃኢ ግብኣት መዓድን ፈሓም እምኒ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ዉሽጢ ሃገርና ንምትካእ ዝግበር ክያዶ ኣብ ቀረባ እዋን ክንዛዝም ኢና ኢሎም፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/!

መከላከያ ይደግፉ/!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.