Fana: At a Speed of Life!

ናይ እኒ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን ሕቶ ውሕስነት ውድቂ ብምግባር ናብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ንክወርዱ ትእዛዝ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ እኒ ሜጀር ጄኔራል ገብረመድህን  ፍቃዴ ሕቶ ውሕስነት ውድቂ ብምግባር ናብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ንክወርዱ ትእዛዝ ተዋሂቡ።

እቲ ትእዛዝ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ሳልሳይ መጋባእያ ጉዳያት ፀረ ሽብርን ሕገ መንግስቲን ኢዩ ተዋሂቡ።

ዓቃቤ ሕጊ ክሲ ካብ መንጎ ዝመስረተሎም 21 ላዕለዎት መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እቶም ሸውዓተ ትማሊ ብጠበቐኦም ኣቢሎም ውሕስና ንክፍቀደሎም ዝሓተቱ እንትኾኑ፥ ዓቃቤ ሕጊ ድማ እቲ ክሲ እቲ ገበን ህይወት ሰብ ዝሓለፈሉ ምዃኑ ብምሕባር ውሕስና ክወሃብ ኣይብሉን ክብል ተኸራኺሩ።

ስለዝኾነ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ክርክር መርሚሩ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝነበረ መጋባእያ ሕቶ ውሕስነት ውድቂ ብምግባር ናብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ንክወርዱ ትእዛዝ ሂቡ።

ኣብ ዝቕፅል 23 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብቲ መጋባእያ ዘይተረኸቡ ተኸሰስቲ ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ክሲ ንምርኣይ ተለዋጢ ቆፀሮ ተዋሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.