Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝነበሩ 80 ከተማታት ናይ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰሜን ናይ ኢትዮጵያ ክፍሊ ኣብ ዝነበረ ጎንፂ ብዝበፅሐ ናይ ኤሌክትሪክ መሰረተ ልምዓት ዕንወት ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝነበሩ 80 ከተማታት ናይ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ኮይኖም።

በቲ ጎንፂ ምኽኒያት ናይ ኤሌክትሪክ ተቓሪፁዎም ዝነበሩ ናይ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ክልል ኣከባቢታት ዳግም ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ንምግባር ብዝተገበረ ልዑል ፃዕሪ 80 ከተማታት ናይ ኣገልግሎት ተጠቀምቲ ምዃኖም ናይ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ዝተረፉ 27 ከተማታት መሊስካ ንምርኻብ ናይ ፅገና ስራሕ ይከናወን ከምዘሎ ኢዩ ተገሊፁ።

እቲ ትካል ኣብ ሰሜን ናይ ኢትዮጵያ ክፍሊ ብዘጋጠመ ኲናት ኣብ ኤሌክትሪክ መከፋፈልቲ መሰረተ ልምዓታት ናት ዝበፅሐ ጉድኣት ኣብ ትሕቲኡ ትሕቲኡ መሊስካ ብምፅጋን ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ዝተቛረፀሎም ኣከባቢታት ዳግም ተጠቀምቲ ንምግባር ልዑል ፃዕሪ ኣብ ምግባር ከምዘሎ ተመልኪቱ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.