Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኣደባባይ በዓላት ብሰላም ንኽኽበሩ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኣደባባይ በዓላት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበሩ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ሓላፊት ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ሊዲያ ግርማ ገሊፀን፡፡

ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ ንምሕላው ዝሰርሑ ልዕሊ 11 ሺሕ ተወሰኽቲ ኣባላት ሰራዊት ሰላም ሰልጢኖም ናብ ስራሕ ምእታዎም እተን ሓላፊት ኣፍሊጠን፡፡

እቶም ኣባላት ሰራዊት ሰላም ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ ከምዝኾኑን ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ሰላም እታ ከተማ ናይ ምሕላው ስራሕ ክሰርሑ ኢዮም ምባለን ሓበሬታ እቲ ቢሮ የመላኽት፡፡

ሰላምን ፀፅታን ከተማ ኣዲስ ኣባባ ብዘተኣማምን መልክዑ ናይ ምሕላው ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እውን ኣመልኪተን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.