Fana: At a Speed of Life!

ናይ ኢትዮጵያን ወርቂ ክሰርቁ ዝበሉ ዜጋታት ወፃኢ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ኢትዮጵያን ወርቂ ክሰርቁ ዝበሉ ዜጋታት ወፃኢ ከምዝተትሓዙ ሚኒስቴር መዓድን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር መዓድን ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ንክልተ ሰሙን ብዝተገበረ ወፍሪ እቶም ገበነኛታት ከምዝተትሓዙ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ቤንሻንጉልን ደቡብ ምዕራብን ብዘይሕጋዊ መገዲ ወርቂ ከውፅኡን ከዘዋውሩን ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም ጉዳዮም እናተፃረየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምስ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተሳሰተፉ መብዛሕተኦም ቻይናውያን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ብዘይጥፍኣቶም ዝተኣሰሩ እንተሃሊዮም ድማ ተፃሪዩ ከምዝልቀቑ እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.