Fana: At a Speed of Life!

ናይ ታሪኽ ዘይምስምዕማዓት ንምፍታሕ ሙሁራት እቲ ዓውዲ ግደኦም ንኽዋፅኡ ፃዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ታሪኽ ዘይምስምዕማዓት ንምፍታሕ ሙሁራት እቲ ዓውዲ ናይ ባዕሎም ግደ ንኽዋፅኡ ፃዒት ቀሪቡ።

ሚኒስቴር ሰላም ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ዘሰናደኦ “ኣበርክቶ ታሪኻውነት ንብሄራዊ ምርድዳእን ግደ ሙሁራንን” ብዝብል ርእሲ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሰላም ኣይተ ታዬ ደንደኣ፥ ኣብ ታሪኻት ኣብ ምርድዳእ ክንበፅ ዘይንኽእል፤ ታሪኻት ንትርኸሉን ንትርጉመሉን መገዲ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

“ስለዝኾነ ድማ ካብ ናይ ትማሊ ታሪኻትና ተማሂርና ንሰላምን ምዕባለናን ንኽንጥቀመሉ ሙሁራን ናይ ባዕሎም ግደ ክዋፅኡ ይግባእ” ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሙሁር እቲ ዓውዲ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ፥ “ግንዛበ ታሪኽን ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታን” ብዝብል ርእሲ መልዐሊ ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ፕሮፌሰር ባህሩ ሞያዊ ኣፀሓሕፋ ታሪኽ ዘይምህላው ንታሪኽ ምዝባዕ ምኽንያት ካብ ዝኾኑ ፀገማት ሓደ ከምዝኾነ ፀሪሖም፡፡

ፍልፍል ታሪኽ ብዘይምንጻሩ እውን ካሊእ ፀገም ከምዝኾነ ኣብ ፅሑፎም ኣብሪሆም።

እቶም ፕሮፌሰር ኣብ ፅሑፎም፥ ፖለቲካዊ ኢድ ኣእታውነት፣ ኩሉ ልክዕ፤ ኩሉ ስሕተት ዝብል ምልከታ መበገሲ ዘይምስምዕማዕ ታሪኽ ከምዝኸውን ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሙሁራን፣ ኣባላት ፓርቲ ፖለቲካን ፃውኢት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተሳቲፎም፡፡

ብምስክር ስናፍቅ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.