Fana: At a Speed of Life!

ናይ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ በዓል ሽግ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ጅግጅጋ ተወሊዑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ንዝኽበር መበል 15 ዓመት ናይ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ በዓል ሽግ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ተወሊዑ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምውላዕ ሽግ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣደም ፋራህን ሚኒስትር ግብርና ኣይተ ዑመር ሑሴንን ከምኡ’ውን ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ ሙሐመድን ካልኦት ሰብ መዚ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ብሄር ብሄረሰባት ምኽኒያት ብምግባር ካብ መንጎ ዝስርሑ ስራሕቲ፥ ካብ ምብራቕ ኢትዮጵያ ተበጊሱ ኣብ ኩለን ክልልት ዝበፅሕ ሽግ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ ሽግ ካብ ክልል ሶማሌ ብምብጋስ ናብ ዝተፈላለያ ክልላትን ምምሕዳር ከተማን ከምዝዘዋወር ተገሊፁ።

እቲ በዓል “ማዕርነትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትን ንብልፅግና” ብዝብል መሪሕ ቃል ንመበል 15 ጊዜ ብኣተሓባባሪነት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ብኣተኣናጋድነት ምምሕዳር ድሬዳዋን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ከምዝበር ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.