Fana: At a Speed of Life!

ናይ ቤት መንግስቲ ምምሕዳርን ናይ ፕሬዚዳንት ቤት ፅሕፈትን መዓልቲ ህብር ምኽኒያት ብምግባር ትሑት እቶት ንዘለዎም ሰራሕተኛታት መኣዲ ኣንጊዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ቤት መንግስቲ ምምሕዳርን ናይ ፕሬዚዳንት ቤት ፅሕፈትን መዓልቲ ህብር ምኽኒያት ብምግባር ትሑት እቶት ንዘለዎም ሰራሕተኛታት መኣዲ ኣንጊዶም።

መዓልቲ ህብር “ህብርና ንሰላምና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።

ስለዝኾነ ናይ ቤት መንግስቲ ምምሕዳርን ናይ ፕሬዚዳንት ቤት ፅሕፈትን መዓልቲ ህብር ምኽኒያት ብምግባር ትሑት እቶት ንዘለዎም ሰራሕተኛታት መኣዲ ኣንጊዶም።

ናይ ቤት መንግስቲ ምምሕዳር ዋና ዳይሬክተር ምትኩ ደሬሳ፥ ብፍላይ ኣብ ኣዋሽ መልካሳን ኣብ ቆቃን 200 ሄክታር መሬት ናይቲ ምምሕዳር ሰራሕተኛታት ብምትሕብባር ኣብ ዝተሰርሐ ስራሕ ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢዩ ኢሎም።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.