Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሕሶት ሰነድ ዘዳሉ ውልቀሰብ ብመሓዝ ምርመራ እናፃረየ ከምዝኾነ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሕሶት ሰነድ ዘዳሉ ውልቀሰብ ብመሓዝ ምርመራ እናፃረየ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ጉለሌ 17 ግንቦት 2016 ዓ.ም ኣብታ ክፍለ ከተማ ወረዳ 2 ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እቲ ውልቀሰብ ብዝተገበረ ብርበራ 29 ናይ መንግስቲን ናይ ውልቀ ትካላትን ክቢ ማህተማት፣ በዝሖም 26 ዝኾኑ ናይ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ ቲተራት ብኤግዚቢትነት ከምዝሓዘ ተገሊፁ፡፡

በቲ ውልቀሰብ ዝተሰናድኡ ናይ ወሳኒ ኩነት ሰነዳት፣ ናይ ሕሶት መረዳእታታት ዝተፈላለያ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ፣ ልምዲ ስራሕ፣ መለለዪ መንነት ነባርነት፣ ዝተፈላለዩ ደብዳቤታትን ሰነዳትን ብኤግዚቢትነት ብመሓዝ ምርመራ እናቐፀለ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ውልቀሰብ ካብ 1997 ዓ.ም ጀሚሩ ዘይሕጋዊ ተግባር እናፈፀመ ከምዝነበ ብመረዳእታ ከምዝተረጋገፀ እውን ፖሊስ ገሊፁ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.