Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሕሶት ሰነድ ብጥቃም ናብ ሃገር እናኣተወ ዝነበረ ገጀራ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሕሶት ሰነድ ብጥቃም ናብ ውሽጢ ሃገር እናኣተወ ዝነበረ ገጀራ ከምዝሓዘ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ቅድሚ 15 መዓልቲ ብሽም ኣምፃኢ ዳዊት የማነ በዝሖም 186 ሺሕን 240 ዝኾኑ ገጀራታት ኣብ ኣርባዕተ በዓል 20 ጫማ ኮንቴነራት ካብ ቻይና ተፃዒኖም ኣብ ጉምሩኽ ሞጆ ምስተጓዓዓዙ እቲ ኣቕሓ ብቁፅሪ 4-1919/21 ተመዝጊቡ ናብ ውሽጢ ሃገር ንኸኣቱ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝተፈቐደሉ ብምምሳልን ናይ ሕሶት ሰነድ ኣዳሊዩ እቲ ሰነድ ናብ መርማሪ ቦርድ ኣወፃፅኣ ኣቑሑት ኣቕሪቡ ምስ ተመርመረ ልዕሊ ብር 7 ነጥቢ 7 ቀረፅን ታክሲን ከፊሉ እቶም ኣቕሑት ምስተለቐቑ ናይ ሕሶት ሰነድ ከምዝኾነን እቶም ኣቑሑት ፍቓድ ዘይተውሃቦምን ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ብኮሚሽን ጉምሩኽን ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኢንተለጀንስ ሞጆን ኣቢሉ ክትትል ተገይሩ ዝቐረበ ሰነድ እንትፃረ ናይ ሕሶትን እቶም ኣቑሑት እውን ናብ ውሽጢ ዓዲ ንኸኣቱ ብፖሊስ ፌዴራል ፍቓድ ዘይተውሃቦ ከምዝኾነ ተረጋጊፁ፡፡

ነዚ መበገሲ ብምግባር ብዝተገበረ ክትትል በዓል ዋና እቶም ኣቑሑትን ትራንዚተሩን ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርክብ ተሓቢሩ፡፡

ገጀራ እገዳ ካብ ዝተገበረሎም ኣቑሑት ሓደ እንትኸውን፥ ካብ ፖሊስ ፌዴራል ፍቓድ እንተይረኸቡ ምእታው ዝተኸልከለ ኢዩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.