Fana: At a Speed of Life!

ናይ ሕሶት ሓበሬታ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብስርዓት ሓበሬታ ዓፋር ዳጉ ክመክን ኢዩ – ነበርቲ ከተማ ሰመራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ሕሶት ሓበሬታ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብስርዓት ሓበሬታ ዓፋር ዳጉ ከምዝመክን ነበርቲ ከተማ ሰመራ ገሊፆም።

እቶም ነበርቲ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ክልል ዓፋር ዘሎ ባሕላዊ ስርዓት ምልውዋጥ ሓበሬት ዓፋረቶት ዓሚቕን ዝተረጋገፀን ሓበሬታን ዝቀባበሉሉ ኢዩ።

ዳጉ ካብ ነበርቲ እቲ ክልል ዝተፃረየን ዝተረጋገፀን ሓበሬታ ዝቃለሐሉ ስርዓት ስለዝኾነ፥ ዘይሰማዕናዮ ዝሓልፈናን ብሓሶት ዘሰሓሕተና ነገር የለን” ኢሎም።

ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝናፈስ ዝንቡዕ ወረ፥ ዓፋረቶት ብስርዓት ሓበሬታ ዳጉ ሓቂ ንምርዳእ ግዘ ከምዘይወስደሎም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝጋዋሕ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ኣብ ዓፋር ዝደናገር ከምዘይህሉ እቶም ነበርቲ ኣብሪሆም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ሃገር ንምፍራስ፣ ህዝቢ ንምፍንቓልን ዘረፋ ንምፍፃምን ብዘጋውሖ ዝተዋደደ ሽርሒ ብዘይምድንጋር ብዝመፅኦ ንምምካት ከምዝተዳለዉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.